ሓበሬታ ብዛዕባ ሓድሽ ዝወጸ ሕግታት ናይ ብ online ዝውሰድ ትምህርቲ( ONA ከምኡ ውን ናይ ኣልፋ ቤት ትምህርቲ)
ሕቶታት ገዛ ኬንካ ትምህርቲ ምክትታል

ሓበሬታ ብዛዕባ ሓድሽ ዝወጸ ሕግታት ናይ ብ online ዝውሰድ ትምህርቲ( ONA ከምኡ ውን ናይ ኣልፋ ቤት ትምህርቲ)
ሕቶታት ገዛ ኬንካ ትምህርቲ ምክትታል፡
ሓፈሻዊ
ኣብ ገዛ ኬንካ ትከታተሎ ምህሮ ብላፕቶፕ፡ ኮምፑተር፡ ታብሌት፡ ተሌፎን፡ ካብቲ ኣብ ክላስ ኬንካ ትመሃሮ ዝኸበረ ድዩ?
ነቲ ቋንቋ ትመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ቤት ትምህርትኻ ድማ ብዛዕባ ዋጋ ሓፈሻዊ መብርሂ ክህበካ ይኽእል እዩ።
ኣብ ገዛ ኮይነ ምህሮ ክከታተል ኣይደልን እየ። ሕጂ ኣብ ገዛ ኬንካ ምምሃር ደው ከብሎ ይኽእል ዶ ድሕራይ ቤት ትምህርቲ ምስ ተኸፍተ ኢንቡርኸሪንግ ምግባር ክቅጽሎ?
እወ፡ ይከአል እዩ።
ትምህርቲ ኢንቡርኸሪንግ
ኣነ ኢንቡርኸሪንግ ይመሃር ኣለኹ። ነዚ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ኣብ ገዛ ኮይነ ዝማሃሮ ዘለኹ ንምንዋሕን ወረቀት ናይ ግዴታ መሕተትን ሰዓታት ይቁጸረለ ድዩ?
እወ፡ ኩሎም ስዓታት ካብ 16 መጋቢት ጀሚርካ ኣብ ገዛ ኬንካ ዝተማሃርካዮ ብቤት ትምህርትኻ ይሕሰበልካ እዩ።
ከምኡ ውን 4 ረቋሒታት ኣለዉ፡
. ኣብ 1 መጋብ ምስ ቤት ትምህርትኻ ብቃል ፈሪምካ እንተኬንካ።
. ልክዕ ከምቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትወስዶ ዝነበርካ ሰዓታት ትምሃር እንተድአ ሃሊኻ።
. ንወረቀት መሕተቲ ይኹን ንመናውሒ ጥራይ ነቲ ብድጂታል ዝተማሃርካዮ ክትቆጽር ኣለካ። ባዕልኻ ኣብ ገዛ ብኮምፑተር ዝተማሃርካዮ ክትቆጽሮ የብልካን።
. ንስኻ ብኮምፑተር ወይ ብፖስታ ወይ ውን ብWhatsap ጌርካ ንቤት ትምህርትኻ ትምህርቲ ክትወስድ ከምትደሊ ሓቤርካ እንተኬንካ።
ከምኡ ውን ንቤት ትምህርትኻ ውክልና ፍቃድ ሂብካዮም እንተድአ ኬንካ ንዓኻ ብኻልእ መገዲ ትምህርቲ ክህቡኻ።
ONA- ትምህርቲ
ኣብ ገዛ ኮይነ ዝተኸታተልክዎ ምህምሮ ናይ ONA ንመጻፈፊ ናይ 64 ሰዓታት ይቁጸረለይ ድዩ?
እወ፡ ኩሉ ምህሮ ካብ 16 መጋቢት 2020 ብቤት ትምህርትኻ ዝተመሃርካዮ ይቁጸረልካ እዩ። እዚ ውን ንናይ ONA ሰዓታት ናይ ምህሮ ኮንትራትካ ይሕሰብ እዩ። ሰለስተ ነጥብታት ኣለው፡
. ምስ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርትኻ ብቃል ፈሪምካ እንተኬንካ።
. ከምቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትመሃሮ ዝነበርካ ልክዕ ከምኡ ሰዓታት ትምሃር እንተሃሊኻ።
. ብደብዳበ፡ ብ Whatsap ወይ e-mail ጌርካ ንቤት ትምህርትኻ ምህሮ ክመሃር ይደሊ እየ ኢልካ ሓቢርካ እንትኬንካ። ከምኡ ውን ምስ ቤት ትምህርትኻ ብኻልእ መገዲ ትምህርቲ ክትወስድ ተሰማሚዕካ እንተኼንካ።
ናይ ኣልፋ ቤት ትምህርቲ
ኣነ ናይ ኣልፋ ቤት ይመሃር ኣለኹ፡
ካብ መዓስ እየ ናይ ኣልፋ ቤት ትምህርቲ ብ Online ካብ ቤት ትምህርቲ ክጅምር?
እዚ ካብ 6 ሚያዝያ 2020 ክኸውን ኣለዎ
እዚ ድማ ኣብ ገዛኻ ኬንካ ብኮምፑተር፡ ላፕቶፕ፡ ታብሌት፡ ወይ ብቴሌፎን ይኸውን
ኣነ ናይ ኣልፋ ቤት ምህሮ ይማሃር ኣለኹ
ኣብ ሎምፑተረይ፡ ላፕቶፕ፡ ታብሌት ወይ ተሌፎነይ ክማሃር ሕግታት ኣለዎ ድዩ።
እወ፡ ሕግታት ኣለዎ፡
. ንስኻ ካብ 1 መጋቢት 2020 ምስ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርትካ ናይ ቃል ፈሪምካ ክትፍርም ኣለካ።
. ብፖስታ፡ ብWhatsap፡ ውይ e-mail ጌርካ ምስ ቤት ትምህርትኻ ኣብ ገዛ ኬንካ ክትማሃር ሓቲትካ ክትከውን ኣለካ።
ብድሕሪኡ ውን ንቤት ትምህርትኻ ብኻልእ መንገዲ ቋንቋ ክትማሃር ከምትደሊ ፍቃድ ሂብካዮም ክትከውን ኣለካ።
. ጥራይ ካብቲ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርትኻ ኢካ ኣብ ገዛ ኬንካ ክትማሃር ትኻእል፡ ናብ ካልእ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርቲ ክትቅይር ኣይትኽእልን ኢኻ።
. ኣብ ገዛ ኬንካ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬንካ ትመሃሮ ዝነበርካ ስዓታት ክትመሃር ኣለካ።
. ካብ መምህርካ ናይ ግድን ሓገዝ ክወሃበካ ኣለዎ። ካብቲ ትመሃሮ ድማ 50% ብዘይ መምህር ባዕልኻ ክትለማመደሉ ኣለካ። ሓጋዚ ትደሊ እንተኬንካ ድማ መምህርካ ክከታተለካ ኣለዎ።
. ክትሰርሕ ከለኻ ድማ ጥራይ ብናይ ትምህርቲ መሳርሒ ክትማሃር ኣለካ ( ከም Diglin+ ) ከምቲ ኣቀዲምካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትመሃረሉ ዝነበርካ።
ኣነ ናይ ኣልፋ ቤት ምህሮ ይመሃር ኣለኹ፡
እቲ ኣብ ገዛ ኬነ ዝመሃሮ ኸ ንወረቐት ናይ ግዴታ እንቡርኸሪንግ መሕተቲ ክቁጸረለይ ይኽእል ድዩ?
እወ፡ ኩሉ ሰዓታት ካብ 6 ሚያዝያ 2020 ጀሚርካ ብናይ ቋንቋ ቤት ትምህርትኻ ዝተማሃርካዮ ይቁጸረልካ እዩ።
4 ነጥብታት ኣለዉ፡
. ንስኻ ካብ 1 መጋቢት 2020 ምስ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርትካ ናይ ቃል ፈሪምካ ክትፍርም ኣለካ።
. ኣብ ገዛ ኬንካ ዝተማሃርካዮ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትመሃሮ ዝነበርካ ሰዓታት ክትማሃር ኣለካ።
. ንናይ ወረቀት መሕተቲ ካብ ቤት ትምህርትኻ ብኮምፑተር ጌርካ ዝተማሃርካዮ ጥራይ እዩ ዝቁጸረልካ። ባዕልኻ ኣብ ኮምፑተርካ እትገብሮ ናይ ቋንቋ ልምምድ ግን ኣይሕሰበልካ እዩ።
. ብፖስታ፡ ብWhatsap፡ ውይ e-mail ጌርካ ምስ ቤት ትምህርትኻ ኣብ ገዛ ኬንካ ክትማሃር ሓቲትካ ክትከውን ኣለካ።
ብድሕሪኡ ውን ንቤት ትምህርትኻ ብኻልእ መንገዲ ቋንቋ ክትማሃር ከምትደሊ ፍቃድ ሂብካዮም ክትከውን ኣለካ።
Bron: www.inburgeren.nl