ስራሕ ምድላይ ኣብ ግዜ ኮሮና
ኣብ ግዜ ናይ ኮሮና ቅልውላው NLWerktDoor ናይ ቀረብን ጠለብን ሕቶ ብሓደ ኣምጺእዎ ኣሎ፡

ስራሕ ምድላይ ኣብ ግዜ ኮሮና
ኣብ ግዜ ናይ ኮሮና ቅልውላው NLWerktDoor ናይ ቀረብን ጠለብን ሕቶ ብሓደ ኣምጺእዎ ኣሎ፡
ትካላት ወሃብቲ ስራሕ፡ ምምሕዳራት፡ ማሕበራትን ከምኡ ውን ሃገራዊ መንግስቲ ኣብዚ ግዜ ቅልውላው ናይ ኮሮና ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ብዝተኻእለ መጠን ንምምሕያሽ ብሓደ ኬኖም ኣለዉ።በዚ ወጺኡ ዘሎ ናይ ዕዮ መደብ ድማ "NLWertDoor" እዚ ድማ እተን ትካላት ጽፉፍ ዝኾነ ቀረባትን ጠለባትን ኣብ ዕዳጋ ከማልኡ እዮም። እዚ ድማ ኣብዚ ግዜ ናይ ኮሮና ቅልውላው ሰባት ኣብ ከባቢኦም ብግቡእ ተጻሚዶም ስራሕ ናይ ምቅጻል ዘኽእል ዕድል እዩ።
እዚ NLWerktDoor ንብሎ ዘለና ንደለይቲ ስራሕ እንታይ ይገብረሎም?
እዚ NLWerktDoor ዝባሃል ንትካላት የጻምድ፡ ከምኡ ውን ኩሉ ሰብ ክሰርሕ ዝደሊ መገዲ ንሕብሮ ኢና። ኣብዚ ግዜ ናይ ኮሮና ቅልውላው ስራሕ ንኽትደሊ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑ ኣሎ። እንታይ ክትገብር ኣለካን ክትገብሮ ዘይብልካ?
ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ብልክዕ ብብዝሒ ጠለብ ሰራሕተኛታት ኣሎ። እሞ ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ስራሕ ምምልካት ኣጋባባት ብኸመይ እዮም ዝኸዱ? ንአብነት ብ Video ጌርካ ስራሕ ምምልካት?
እዘን ተጠቀሰን ዘለዋ ትካላት መገዲ ናብ ስራሕ ክሕብራኹም ይኽእላ እየን!
UWV
ስራሕ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ጥብቆ werk.nl ተዓዘብ። ኣብኡ ድማ ናይ ስራሕ፡ምልክታታት ክትረክብ ኢኻ፡ ብ online ዝውሰዱ ስልጠናታት ከምኡ ውን ናይ ስራሕ ዕዳጋ ሓበሬታታት፡ ንአብነት ኣብዚ እዋን ኣነኖት ትካላት እየን ብብዝሒ ሰራሕተኛታት ዝደልያ ዘለዋ።
BBL-banen/እናተማሃርካ ምስራሕ
እናሰራሕካ ክትሰርሕ ትደሊ ዶ ወይ ናይ ስራሕ ልምምድ ትገብረሉ ቦታ? ኣብ Stagemarkt.nl ኩሎም ዘድልዩኻ ቦታታት ክርኢ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ ትደልየሉ ግዜ ውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ሰራሕተኛታት ሕጽረት ዘለወን ትካላት ኣምሂረን ናብ ስራሕ ከውፍራኻ ትደሊ ዲኻ? ወይ ውን ኣብ ስራሕ ናይ ምቅጻላ ዕድል ክትፈልጥ ትደሊ ዶ? እዚ Leerwerkloket ዝባሃል ትካል ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዝስዕብ ተዓዘብ www.lerenenwerken.nl/ ዘሎ ናይ Leerwerkloket ተወከስ።
ውልቃውያን ኣማእኸልቲ
ከምኡ ውን ውልቃውያን ውድባት ውን ናይ ግዝያዊ(tijdelijke) ስራሕ ኣብ ምርካብ ይሕግዛ እየን። ንኣብነት ኣብዘን ዝስዕባ ጥብቆታት/websites ተዓዘብ ABU ከምኡ ውን NBBUናብ ግዝያዊ ስራሕ ንምርካብ ይሕግዛ።
ጨንፈር - ከምኡ ውን ናይ ዞባ ተበግሶታት ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈራትን ዞባታትን ናይ ማእከልነት መደባት ኣዳልዮም ኣለዉ። ኣብዚ ዝስዕብ ሊስታ ተዓዘብ ብቀጥታ ክትምዝገብ ድሌት አለካ እንተደአ ኮይኑ።