ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ፡ ብኸመይ ትሰርሖ ከምኡ ውን ብኸመይ ትጥቀመሉ?

ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ ካብ 1  ሰነ 2020 ጀሚሩ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ግዴታ እዩ። ከመይ ጌርካ ትሰርሑ ብኸመይ ከ ትጥቀመሉ?

ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ፡ ብኸመይ ትሰርሖ ከምኡ ውን ብኸመይ ትጥቀመሉ?
ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ፡

ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ፡

ብኸመይ ትሰርሖ ከምኡ ውን ብኸመይ ትጥቀመሉ?

 

  

Voor Nederlands klik hier

 

 

ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ ካብ 1  ሰነ 2020 ጀሚሩ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ግዴታ እዩ። ከመይ ጌርካ ትሰርሑ ብኸመይ ከ ትጥቀመሉ?

 

ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓደ ሓደ ግዜ 1,5 ርሕቀት ክትሕሉ ኣይከአልን እዩ። ስለ'ዚ እዩ ድማ ካብ 1 ሰነ 2020 ጀሚሩ ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ ናይ ግድን ክኸውን እዩ። እዚ ድማ ክትገዝኦ ወይ ድማ ኣብ ገዛ ክትሰርሖ ትኽእል ኢኻ፡ ስለ'ዚ ናይ መድሃኒት መሸፈኒ ኣፍ ኣብ ናይ ጥዕና ዝሰርሑ ጥራይ ይኸውን።ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ ንዓኻ ንምክልኻል ጥራይ ኣይኮንካን ትገብሮ፡ ኮላይ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሰብ ንምክልኻል እዩ። ኣብ ናይ ንጽል መስመር ጉዕዞ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓደ ጽሩይ ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ የድልየካ።

 

 

ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ ንገዛእ ርእስኻ ከመይ ጌርካ ትሰርሕ?

 

 

ዘድሉይኻ ነገራት፡ ዓለባ፡  ተመጣጢ፡ መቀስ፡ መርፍእ፡ ፍሕሶ ወይ ሰፋይት ክዳን ማሽን።

  1. ነቲ ዓለባ ብ 60°c ጌርካ ሕጸቦ
  2. ክልተ ዓለባ 20 ብ 27 ጌርካ ቁረጽ ከምኡ ውን ክልተ ንጽል ተመጣጢ 18 cm ዝንውሓቱ ውሰድ



  3. እቶም ክልተ ንጽል ዓለባ ብሓደ ጌርካ ኣንጽፎም። ነንሕድሕዶም ኣላጊብካ ድማ ኣብ 0,5 cm ስፈዮም።



  4. ነቲ ተመጣጢ ብኹሉ ወሰን ስሒብካ ኩርናዕ ግበረሉ።

  5. እዚ መሸፈኒ ኣፍ ብልክዕ ኣብ ገጽካ ጽቡቅ እንተሎ ተኸታተሎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዘድልየካ ግዜ ድማ ነቲ ተመጣጢ ምስቲ ኩርናዕ ኣላግቦ።



  6. እቲ ሞልጎም ከኣ ምስቲ ጫፍ በጥ ኣቢልካ ኣትሕዞ። ነቲ ፋብሪክ ከኣ ኣማዓራርዮ፡ ስለ'ዚ ምስ ኣፍካ፡ኣፍንጫኻ፡ከምኡ ውን ምስ መንከስካ ጽቡቅ ጌሩ ከም ዝገጥም ግበር። ብድሕሪኡ ነቲ ተመጣጢ ምስቲ ፋብሪክ ጽቡቅ ጌርካ ስፈዮ።


ኣስተውዕል፡ እዚ ናይ መድሃኒት ሕገዝ ወይ ናይ ውልቂ መከላኸሊ ፈውሲ ኣይኮነን።

 

 

ነዚ ናይ መድሃኒት ዘይኮነ ናይ ኣፍ መሸፈኒ ከመይ ጌረ ይጥቀመሉ?

 

.  ቅድሚ ምጥቃምካን ድሕሪ ምጥቃምካን ኢድካ ጽቡቅ ጌርካ ብማይን ብሳምናን ን 20 ካልኢት ኣቢሉ ዝኸውን ተሓጸብ።

. ክትጥቀመሉን ክተውጽኦን ከለኻ ነቲ ተመጣጢ ነገር ጥራይ ኢኻ ትሕዞ።

. ኣፍካ፡ ኣፍንጫኻ፡ ከምኡ ውን መንከስካ ብጽቡቅ ተሸፊኑ ከምዘሎ ኣስተውዕል፡ ብድሕሪኡ ክትሕዞ ኣይግባእን እዩ።

. ነዚ ናይ መድሃኒ ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ ኣብ ሓደ ግዜ ንልዕሊ 3 ሰዓታት ኣይትምለሶ።

. ነዚ መሸፈኒ ናይ ኣፍ ኣብ ፍሉይ ዕጹው ዝኾነ ሳንዱቅ ወይ ኣርማድዮ መሳሊ ንበይኑ ዓቅቦ።

. ነዚ ናይ መድሃኒ ዘይኮነ፡መሸፈኒ ኣፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተጠቐምካሉ ግዜ ብ 60°C ሙሉእ ብሙሉእ ጌርካ ሕጸቦ።

ናይ፡ምሕጻብ መደብ፡ ክትሓጽቦ ከለኻ ብመሕጸቢ ቀመም ጌርካ ሕጸቦ፡ ክትሓጽቦ ከለኻ ድማ መለስለሲ ነገራት ኣይትግበረሉ።

. ነቲ ናይ መድሃኒት ዘይኮነ መሸፈኒ ኣፍ ኣብ መሕጸቢ መሽን ምስ ኣእተኻዮ ኣእዳውካ ተሓጸብ።

. ቆልዑ ትሕቲ ደቂ 3 ዓመት ከኣ ነዚ መሸፈኒ ኣፍ ክጥቀሙሉ የብሎምን።

 

ኣብዚ ታሕቲ ብዙሓት ጥብቆታት/links ኣለዉ ከመይ ጌርካ ባዕልኻ መሸፈኒ ኣፍ ከም ትሰርሕ ዝሕብሩ።

https://www.youtube.com/watch?v=vuheaJn4Xaw

 

https://www.ed.nl/brabant/run-op-mondkapjes-waar-koop-je-ze-en-hoe-maak-je-ze-zelf~aead2941/?referrer=https://www.google.com/

 

https://www.youtube.com/watch?v=QvzVBtkBTVY

 

 

 

Bron: https://www.rijksoverheid.nl/