ብኸመይ ኢኻ ኽትመርጽ እትኽእል?

ብኸመይ ኢኻ ኽትመርጽ እትኽእል?

1. ብኸመይ ኢኻ ኽትመርጽ እትኽእል?

Voor Arabisch klik hier

Voor Nederlands klik hier

ድምጽኻ ኣገዳሲ እዩ፡

ድምጽኻ ኣብቲ ምምሕዳርካ ይቁጸር እዩ ።

 ብድምጽኻ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ኸተማ መን ከም ዚኸውን ትውስን።

 

ምርጫ ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ?

ኣብ ታሕቲ እዚ ገጽ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ።

ነዚ ኣብዚ ብዛዕባ ድምጽኻ ምሃብ ዝገልጽ ቪድዮ ተወከስ።

 

 

መግለጺ ብ8 መገድትታት

ኣብ ምርጫ ምምሕዳር ከተማ መን እዩ ዚመርጽ?

 

ምርጫ ምምሕዳር ከተማ ሰለስተ ቅድመ ዅነታት ኣለዎ፡

  • ንስኻ ወዲ 18 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክትከውን ኣለካ፡
  • ዜግነት ናይ ነዘርላንድ ወይ ዜግነት ካልእ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ኣለካ ወይ ከኣ ግቡእ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣሎካ እንተ ወሓደ ን5 ዓመት ድማ ብሕጋዊ መገዲ ኣብ ኔዘርላንድ ትነብር ኣለኻ
  • ኣብቲ ምርጫ ዚግበረሉ ምምሕዳር ከተማ ኢኻ እትነብር።
  1. ኣብ ቤትካ ናይ መድመጺ ወረቀት ክመጸካ እዩ።

ምምሕዳር ከተማ ናይ ድምጺ ካርድን ዝርዝር ሕጹያትን ክሰደልካ ኢዩ።

  1. ፖለቲካዊ ሰልፊ ምረጽ

ኣብ ዝርዝር እቶም ሕጹያት ኣብ ምርጫ ዚሳተፉ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

  1. ናብቲ ድምጺ እትህበሉ ቦታ ኪድ፡

ረቡዕ 16 መጋቢት 2022 ካርድ ድምጺ ሒዝካ ናብቲ መደበር ድምጺ ኺድ። ፓስፖርትካ ፍቓድ መራሕ ማኪናኻ ወይ ካርድ መንነትካ እውን ኣምጽእ። ቅኑዕ እንተ ዀይኑ ብእኡ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ እውን ልዕሊ 5 ዓመት  ግዜኡ ዝሓለፈ እንተኾይኑ እውን ብእኡ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ ።

  1. ናይ ድምጺ ካርድኻ ኣረክብ፡

ነቶም ኣብቲ ናይ ምርጫ ቦታ ዘለዉ ሰባት መድመጺ ወረቀትካ ሃቦም። ፓስፖርትካ ፍቓድ መራሕ ማኪናኻ ወይ ካርድ መንነትካ እውን ኣርእዮ። እቶም ኣብቲ መደበር ድምጺ ዘለዉ ሰባት ነቲ ናይ ድምጺ ካርድኻን መንነትካን ይርእይዎ።

  1. ኣብኡ ድማ እተድመጸሉ ካርድ ክትወሃብ ኢኻ፡

ኣብቲ ወረቐት መድመጺ እቶም ኣብቲ ምርጫ ዚሳተፉ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዘርዚሩ ኣሎ። እቶም ክትመርጾም እትኽእል ሰባት ምስ ፖለቲካዊ ሰልፊኦም ኣብቲ መምረጺ ካርድ እዮም ዘለዉ።

  1. 1 ቦታ ድማ ብቀይሕ ሕብሪ ኣጥቁሮ፡

መድመጺ ካርድኻ ሒዝካ ናብ ሓደ ናይ ድምጺ ዳስ ክትአቱ ኢኻ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ኸምኡ እትገብር ። ክትመርጽ ከለኻ ዋላ ሓደ ኺርኢ ኣይፍቀደሉን እዩ። ኣብቲ ናይ ድምጺ ዳስ ቀይሕ ርሳስ ኣሎ። ኣብቲ መድመጺ ካርድኻ ስም እቲ ኽትመርጾ እትደሊ ሰብ ርኸብ።  ነዚ ስም እዚ ዜመልክት ቦታ ድማ ቀይሕ ሕብሪ ቅብአዮ ።

  1. ናይ ድምጺ ወረቐትካ ኣብቲ ናይ ድምጺ ሳጹን ኣእቱ፡

ነቲ ድምጺ እትህበሉ ወረቐት እንደገና ዓጺፍካ ኣብ ሳጹን መድመጺ ኣእትዎ።

  1. ኣድሚጽካ ኣለኻ!

ድሕሪ 21 00 ኵሉ ድምጺ ኺቝጸር እዩ። ድሕሪኡ እቲ ውጽኢት ኪእወጅ እዩ ። ንኣብነት ኣብ ኢንተርነት ውጽኢት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ፣ ንኣብነት ኣብ www.nos.nl ። ወይ ከኣ ኣብ ዜና ኣብ ረድዮ ቲቪ ወይ ኣብ ጋዜጣ።

ኣቀዲምካ ምድማጽ

ሰኑይ 14 ወይ ሰሉስ 15 መጋቢት እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ወብ ሳይት ምምሕዳር ከተማኻ ኣየናይ መደበራት ድምጺ ኸም እተኸፍተ ይሕብር። https://www.breda.nl/stemlokalen-14-en-15-maart.

 

እቲ ምርጫ ምስቲ ረቡዕ 16 መጋቢት ዝካየድ ኩሉ  ሓደ እዩ።

ኣበይ ኢኻ ኽትመርጽ እትኽእል?

ኣብ 16 መጋቢት 2022 ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ Breda ዚርከብ መደበራት ድምጺ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓያሎ መደበራት ድምጺ ድሮ ብ14 መጋቢትን 15 መጋቢትን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።እቲ ኣብዚ ገጽ እዚ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይቲ ሕጹይ እውን ክርከብ ይከኣል ኢዩ ። እዚ ኸኣ ብ1, 2ን 3 መጋቢትን ካብ ቤት ናብ ቤት ኪዝርጋሕ እዩ።

ኣብዚ ካርታ እዚ https://breda.verkiezinginbeeld.nl/  ኵሉ ናይ ድምጺ ቦታታት ኣብ ምምሕዳር ከተማ Breda ክርአ ይከአል ኢዩ ። እቲ ካርታ ብዛዕባ እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ሰባት ኣብ መደበር ድምጺ ሓበሬታ ውን ይህብ እዩ።