GGD፡ሚስጢር ምጥሓስ፡ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፡

GGD፡ሚስጢር ምጥሓስ፡ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፡

GGD፡ሚስጢር ምጥሓስ፡ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፡
GGD፡ሚስጢር ምጥሓስ

GGD፡ሚስጢር ምጥሓስ፡ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፡

 

 Voor Nederlands klik hier 

 

ትማሊ ከም ዝተሓበረ ናይ ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ናይ ውልቂ ሓበሬታ ኣብ ኢድ ገበነኛታት ከም ዝበጽሐ ይፍለጥ።

ክልተ ጥርጡራት ነዚ ናይ ውልቀ ሰባት ኣብ ናይ GGD ናይ ጻውዒት ቴሎፎን ሰንተር ዝሰርሑ ነዚ ናይ ውልቂ ሰባት ሓበሬታ ናብ ሶሻል ሜድያ ከም ዝሸጥዎ ድማ ተሓቢሩ ኣሎ።

 

ኣብ ከምዚ ዓይነት ህሞት ናይ ውልቀ ሰባት ሓበሬታ(NAW-gegevens) ከም ኣብነት ዕለተ ትውልዲ፡ ቁጽሪ ቴሎፎን፡e-mail ኣድረስ ከምኡ ናይ ውልቂ ናይ ዜጋ ቁጸሪ(BSN) ከም ዝተሸጠ ተፈሊጡ ኣሎ።እንተ-ኾነ እዞ ዝተጠቅሱ ናይ ውልቀ ሰባት ሓብሬታ እንታይ ክጥቀምሉ ይኽእሉ?

 

ስለ'ዚ ብመልክዕ ቴሎፎን፡ WhatsApp, ከምኡ ውን ብ SMS ከምኡ ውን ብ e-mail ዝኾነ ሕሳብ ንኽትከፍል ክትሕተት ትኽእል ኢኻ ውይ ውን ኣብ ናይ ውልቂ ሓበሬታኻ ክትአቱ ክግዱዱኻ ይኽእሉ እዚ ድማ ካብ እሙንን ፍሉጥን ትካል ክኸውን ይኽእል።

 

ከምኡ ውን ሰራቂ ክኸውን ይኽእል እዩ ብስምካ ዝሰርቅ ኣበይ ብዘየገድስ፡ምንጪታት ከም ዝሕብርዎ ድማ እዚ ዝኸውን ብናትካ  postcode፡ ኣድረስ ከምኡ ውን ዕለተ ትውልድኻ ከምኡ ውን BSN። ብዞም ዝጠቀስናዮም ናይ ውልቅኻ ሓበሬታ ድማ ናብ ናትካ ባንኪ ደዊሎም ብስምካ ብዙሕ ዕዮታትን ብዙሕ ናይ ገንዘብ ልቃሕን ክፍጸም ይኽእል እዩ።

 

እንታይ ክትገብር ትኽእል?

 

ይቅሬታ ንስኻ ኣብዚ ዝጠቐስናዮ ጸገም ዋላ ሓደ ክትገብር ኣይኽእልን ኢኻ፡ ከምኡ ውን ብሰንኪ እዚ ጸገም ክትሰናኸል ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለ'ዚ ድማ  ኣብዞም ዝጠቐስናዮም ከም ናይ ውልቅኻ ሐበሬታ  postcode, ቴሎፎን፡ e-mail, sms ከምኡ ውን WhatsApp ተወሳኺ ጥንቃቐ ክትገብር ኣሎካ። ከምኡ ውን ካብ ሕሳብ ባንክኻ ትገብሮም ወጻኢታት ጽቡቅ ጌርካ ተቖጻጸሮም ከምኡ ድማ ኩሎም accounts ናትካ ውን ፍሉይን ሓያልን መዕጸዊ ኮድ ግበረሎም።

 

ምንጪ፡ fraudehelpdesk.nl