ONA

ONA

ONA
ONA

Oriëntatie op de Nederlandse Arbeidsmarkt ONA

 

 
ካልእ ክፋል ናይ inburgering ድማ ona ይብሃል፣ ኣብዚ ኣሃዱ ድማ ብዛዕባ ስራሕን ምድላይ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ትምሃር። ኣብዚ ድማ ባዕልኻ ናይ ስራሕ ተመክሮ ትምርምር፣ እንታይ ብቕዓት ኣለካን፣ sollicitatiebrief ድማ ትጽሕፍ።
ኮርስ
ኣብ ግዜ ናይ ona ትምህርቲ ኣብ ገዛን ኣብ ክላስን ብዛዕባ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ትምሃር፣ ከምኡ’ውን እንታይ ዓይነት ስራሕ ምሳኻ ይሰማማዕ፣ ንዕኡ ንኽትገብር እንታይ ክትገብር ኣለካን።
ንኣብነት ክፋላት ናይዚ ኮርስ፣
 
Diploma-waardering

ዲፕሎማኻ ኣብ ኔዘርላንድ እንታይ ግምጋመ ረኺቡ ነዚ ትሰርሖ
Cv ምጽሓፍ: CV 
ኣየናይ ስራሕ ምሳኻ ይሰማማዕ?
 Sollicitatiebrief ምጽሓፍ
 
RESULTAATKAARTEN VAN ONA
 
ኩሉ እቲ ደሊኻ ዝመላእካዮ ኣብ resultaatkaarten መሊእካ ናብ duo ትሰዶ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ዝገብርካዮን ደሊኻ ዝመላእካዮን 8 resultaatkaaren ይህልወካ፣ እዚ ኸኣ ጽቡቅ መጀምሪ’ዩ፣ ዳሕራይ ዝሰማምዓካ ስራሕ ንምድላይ።
ኣስተውዕል፣
  Resultaatkaarten ብ online ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ፣ ብኸምዚ ድማ ትዕቕቦ ክጠፍኣካ ውን ኣይክእልን።
  Resultaatkaarten ብዲጂታላዊ መልክዕ ሰዲድካዮ? duo ቐልጢፉ ክርእዮ ይኽእል፣ ቐልጢፍካ ድማ ፈተና ትገብር

 
ፈተና፣ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ምስ DUO
ኩሉ ዕዮታት ሰሪሕካዮ ምስ ናይ duo ሰራሕተኛ ጥራይ ዝርርብ ተሪፍካ፣  ነዚ መዓስ ከም ትሓትት መምህርካ ክትነግረካ’ያ፣ ኣቀዲምካ ኩሉ resultaatkaarten ናብ DUO ስደዶ፣ ንዝርርብ ክዕዱሙኻ እዮም። ኣብ ናይ ዝርርብ ግዜ እንታይ ጌርካ፣ ምርምርን፣ ብዛዕባ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ እንታይ ተማሂርካ፣ እቲ ዝርርብ ጽቡቅ እንተ ተኻይዱ፣ ሓሊፍካ ኣለካ።